Mamma United

ማማ ዩናይትድ እንታይ እያ?

ማማ ዩናይትድ እንታይ እዩ?


ማማ ዩናይትድ ንኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮን፣ ኣብ ህይወተንን ህይወት ደቀንን ጽልዋ ከሕድራ ምታን ክኽእላ ብፍልጠት፡ ተበግሶን መሳርሕታትን ንምሕያል ዝሰርሕ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ።


ኣካል ማማ ዩናይትድ ምዃን ማለት ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ን3 ወርሒ ኣብ ትምህርታዊ መደብና ትሳተፉ ማለት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ግዜ 2 ሰዓታት ዝወስድ እዩ። ኣብ ከባቢኽን ምስዝርከባ ካልኦት ኣዴታት ትፋለጣን ከም ጓል ኣንስተይትን ኣደን ኣገዳሲ ሓበሬታ ክትረኽባ ኢኽን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ግዜ ኣብኡ ኣስተምህሮ ዝህብ ሓደ ክኢላ ክህሉ እዩ። ንኣብነት ምስ መሕረሲት፡ ክኢላ ኣመጋግባ ወይ ክኢላ ስነ-ቑጠባ ክትረኽባ ኢኽን። ብዛዕባ ዝስዕቡ ሓበሬታ ትረኽባ፡


·       ጥዕና ዘለዎ መግቢ

·       ኣካላዊ ንጥፈትን ማሕበራትን

·       ክእለት ምዕባይ ቆልዓ

·       ኣካላት ጓል ኣንስተይቲ

·       ኣእምሮኣዊን ኣካላዊን ጥዕና

·       ደሕንነት ከባቢ

·       ቁጠባ

·       ከባቢያዊ/ ውሽጣዊ ዓመጽ

·       ዕዳጋ ስራሕ


ኣብ ማማ ዩናይትድ ምክፋል ዘኽፍሎ ነገር የብሉን። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍሊ ክትጽንበራን ክትፍትንኦን ተዓዲምክን ኣለኽን! እቲ ጉጅለ ብሓደ መራሒ ጉጅለ ዝምራሕ ኮይኑ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣኼባታት ዝርከብን ኣብ መንጎ ኣኼባታት ምስ ኩሎም ተሳተፍቲ ዝራኸብን እዩ። ኩሉ ግዜ ፊካ ነቕርብ ኢና።


ምሳኽን ኣብ ገዛ ዘለዉ ንኣሽቱ ቆልዑ እንተሃልዮምኽን፡ ኣብቲ ኣኼባታት ክጽንበሩ ይኽእሉ እዮም። እቶም ጉጅለታት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዕሸላት ክሳብ ዓበይቲ ህጻናት ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ቆልዑ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቖፋ እዩ። ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ማማ ዩናይትድ ክጽንበራ ይኽእላ እየን!


ድልየት እንተሃልዩክን፣ ኣብዚ ክትምዝገባ ትኽእላ ወይ ድማ ምስ ናይ ከባቢና ኣተሓባባሪ ክትረኽብኦ ትኽእላ ኢኽን፣ ናይ ርክብ ኣድራሽኡ ድማ ኣብዚ ወይ ኣብቲ ናይ ሓበሬታ ወረቐት ክትረኽበኦ ትኽእላ ኢኽን። ኣብ ማማ ዩናይትድ ክንራኸብ ብሃንቀውታ ንጽበ!


ናይ ቅድሚ ሕጂ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ማማ ዩናይትድ ዝበልዎ እዚ እዩ፡

·       "እቲ ዝበለጸ ነገር ናይ ማማ ዩናይትድ ኣብ ኣኼባታት ዝህሉ ናይ ዋንነት ስምዒት'ዩ"።

·       "ኣብ መጀመርታ ማማ ዩናይትድ እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን ነይረ፡ ኣብ መጀመርታ ናብኡ ክመጽእ ኣይደለኹን ነይረ፡ ግን ናብኡ ከይደ፡ ብኡንብኡ ድማ ከም ገዛይ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ከም ስድራቤት ኢና"።

·       "ኣብ ዓዲ ንዘሎ ወደይ ብዛዕባ ባጀት፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ፡ ብዛዕባ መሰል ህጻናት ነጊረዮ። ሕጂ ፍልጠት ኣለና።"

·       "ኣብ ሽወደን ሓድሽ ምስ እትኸውን ኩሉ ነገር ሓድሽ እዩ፡ ሓዳስ ሃገር፡ ሓድሽ ቋንቋ፡ ሓድሽ ባህሊ'ዩ፡ ዋላ'ውን ምሁር እንተኾንካ፡ ነገራት ምእንቲ ክቐልሉ ዝሕግዘካ ሰብ የድልየካ።"

ኣብዚ ተመዝገቡ።

Jag är intresserad av att delta i en utbildning och vill ha mer information.